ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብሕልፈት ኣርቲስት ደበበ እሸቱ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣11 ነሓሰ ፣2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብሕልፈት ኣርቲስት ደበበ እሸቱ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም::
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘመናዊ ታሪክ ስነ ጥበብ ዓብዮ ኣሰር ዘንበሩ ኣርቲስት ደበበ እሽቱ ብምዕራፎም ሓዘን ተሰሚዑኒ ኢሎም።
ደበበ እሸቱ ንዘመናት ኣብ ዕብየት ትያትርን ፊልሚን ካብ ዘለው ልሂቃን እቲ ሓደ ነይሮም።