Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንበዓል መውሊድ ዘመሓላለፍዎ ናይ እንዃዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ

እንዃዕ ንመበል 1 ሽሕን 500 በዓል መውሊድ ኣብፅሓኩም።

ናይ ዓበይቲ በዓል ነኽብር ናይ ኣያታትና ኣርኣያ ንምስዓብ ምኽንያት ጌርና ኢና። እንታይ ከምዝሰርሑ? እንታይ ከምዘምሀሩ? ብድሆታት ብኸመይ ሰጊሮም? ታሪክ እናልዐልና ክንመሃረሎም ኢና፡፡

በዓል መውሊድ እንትነኽር ናይ ነብዩ መሓመድ (ሰዓወ) ኣብ እነብዕለሉ እዋን፣ ካብ ህይወቶም ንመሃር ኢና፤ፈተና ዝተሳገርሉ ብርተዐ ንዓና ይኸውን፡፡ብዛዕባ ትምህርቲ ርእስና ንፍትሸሉ።

ናይ ሎሚ በዓል ዝኽበር ድሮ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝናዝመሉ እዋን እዩ። ኣብዚ እዋን እዙይ “ካብ ትዕግስትን ፍልጠትን ዝሓሸ ክወሃሃድ ዝግበኦ ነገራት የለን” ዝብል ናይ ነቢይ ቃል ንዝክር።

ዘለናሉ እዋን ብራኸ ኢትዮጵያ ጋህዲ ዝኾነሉ እዋን ምዃኑ ይፍለጥ። ፈጣሪ ዝደኸምናሉ ባሪኹ ዝለመንናዩ ሂቡ፡፡ ብልፅግና ኢትዮጵያ ዝያዳ ክውን ንምግባር ፍልጠትን ትዕግስትን ኣወሃሂድና ክንጉዓዝ ኢና።

ፍልጠት ብርሃን ኮይኑ ይመርሕ፡፡ ትዕግስቲ ድማ ንፈተናታት ብፅንዓት ክንሰግሮ ይገብረና። እዚ ካብ ነቢዩ መሓመድ (ሰዓወ) ተማሂርና።

ከምቲ ዝበሎ “ኣግራብ እንዳተኸልና መዓልቲ ፍርዲ እንተመፂኡ፣ ደው ከይበልና ፈልሲ ምትካል ቀፅል” ከምዝበለዎ ዋላእውን ፈተናታት ይበዝሑን ዕንቅፋታት ይፍጠሩን ክሳብ መወዳእታ ንሃገርናን ህዝብናን ፅቡቕ ምስራሕ ክንቕፅል ኢና። ኣብ ምድርን ኣብ ሰማይን ንሰባት ዘኽብር ህዝቢ ካብ ዝጠቅም ሰናይ ግብሪ ዝበልፅ የለን።

ነዚ በዓል መውሊድ ዘክብሩ ሙስሊም ወገናተይ፣ ንዝመፅእ ዓመት ከመይ ጌርና ብኣሏህ ኣዝዩ ዝፍቶ ሰናይ ተግባራት ከም እነሕልፎ ብምድላው ከብዕልዎ ተስፋ እገብር። 2018 ብራኸ ኢትዮጵያ ብኹሉ መዳይ እነፅነዐሉ ዓመት ብምዃኑ።

ርሑስ በዓል መውሊድ ይኹን።

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተሓፊራን ተኸቢራን ንዘልኣለም ትንበር!!

ፈጣሪ ንኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!

28 ነሓሰ 2017 ዓ.ም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.