ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦስፓሻልን ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦስፓሻልን ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዶም።
እቲ ኢንስቲትዩት ካብ መሬት ክሳብ ህዋ ዘለው መረዳእታታት ብምትንታን ስራሕቲ ምርምር ዘካይድ ትካል ምዃኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።
ስራሕቲ ምርምር ብሳይንሳዊ መገዲ እናተንተኑ ብቅድመ ትንበያን ስራሕቲ ትካላት ብምስራሕ ንዝምልከቶም ትካላት ክጥቀምሉ የኽእል ተባሂሉ፡፡
ጂኦ ስፓሻል መፅናዕቲ ምርምር ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝተወደበ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡
ሎሚ ኣብ ዑደትም ኣብ ክፍሊታት ስራሕቱ ዝካየዱ መረዳእታ ትንተናን ስራሕቲ ምርምርን ምልከታ ምገባሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡