ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ቀዋሚ ክፍሊ ኤግዚቪሽን ሳይንስ ሙዚየን ብዕሊ ተኸፊቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ቀዋሚ ክፍሊ ኤግዚቪሽን ሳይንስ ሙዚየን ብዕሊ ተኸፊቱ፡፡
ብኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ምላሽ ኢትዮጵያን፣ ሕርሻ፣ ሓይሊ ማይን ኢነርጂን፣ ኤሮኖቲክስን ኣቪየሽን ዘተኮረ ሓሙሽተ ዓውደ ምርኢት ምድባት ዝሓቖፈ እዩ።
እዙይ ሃገርና ብሳይንስን ቴክኖሎጅን ንምጥቃም ዘለዋ ፅኑዕ ድልየት ዘርኢ እዩ።
ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ ዝኾነ ናይ ህዋ ቅርፂ ሉላዊ ዘለዎ ኣዳራሽ ትእይንት ዕላዊ ኮይኑ፡፡
ብ1000 ሜትር ስኩዌር ሜትር 36 ሜትር ዲያሜትርን ሒዙ ዝዓረፈ ኣዳራሽ ዘመኑ ዝጠልቦ 4k ዲጂታል ምስሊ ቴክኖሎጂ ዝተገጠመ እንትኾን ምስለ ህዋ ብልዑል ፅርየት ዘለዎ ዝገርሙ መሰጥቲ ምስልታት ብምቕራብ ንዓለም ህዋ ኣዝዩ ኣቕሪቡ ከምዘርእይ ተሓቢሩ፡፡፡፡
ፍልጠት ንምርካብ፣ ንምምሃርን ንምልዕዓልን ምችው ኩነታት ዝኾነ ሳይንስ ሙዚየም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ ዕለት ንጎብነይቲ ክፍቲ ኮይኑ፡፡
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FFBC TigrignaYouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!