ቀዳማይ ሚኒስትር ግሪናዳ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ግሪናዳ ዲኮን ሚቼል ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ማሕበረሰብ ካሪቢያን ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ተቐቢሎምዎም።
ካልኣይ ጉባኤ ማሕበረሰብ ካሪብያን ኣፍሪካ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ዘርዓ- ኣፍሪካውያን ንኣፍሪካውያን ምክሕሓስን ፍትሒ ንምድላይን ኣህጉራዊ ምሕዝነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ፡፡
እቲ ጉባኤ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኣፍሪካን ካሪብያንን ዘሎ ምትሕብባር ደቡብ-ደቡብ ርክብ ብምጥንኻር፣ ኣፍሪካ ካብ ሃገራት ካሪቢያ ዘለዋ ርክብ ናብ ጥንኹር ኢኮኖሚ ዲፕሎማሲያዊ ምትሕብባር ንምዕባይ ዘኽእል እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር፡፡
ኣብቲ ጉባኤ ናይ ዓለም ስርዓተ ፋይናንስ፣ ቱሪዝም፣ ሰብኣዊ መሰላት ዝኣመሰሉ ጉዳያት ክዝቲ እዩ።
ብኣሸናፊ ሽብሩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!