Fana: At a Speed of Life!

ቀጣናዊ ልምዓት ክብ ንምባል ብምትሕብባር ምስራሕ ኣድላዪ ኢዩ-ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያን ኬንያን ብመሰረተ ልምዓት ንምትእስሳር ዝዓለመ ፕሮጀከት ምብራቕ ኣፍሪካ ዕላዊ ኮይኑ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ፥ ምትሕብባር ንግዲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ምጥንኻር ዝኽእል መሰረተ ልምዓታት ብምህናፅ ቀጠናዊ ዝምድና እንተጠናኽራ ኢዩ ኢሎም።

ብፍላይኣሰራርሓ ጉምሩክ ብምምሕያሽ ንስራሕቲ ንግዲ ዝስማዕማዕ ከባቢ ዶብ ክፈጥራ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ጎረባብቲ ሃገራት ተረባሕቲ ዝገብሩ መሰረተ ልምዓታት ከባቢ ዶብ ንምህናፅ ትሰርሕ ከምዘላ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ኬኒያ ምስ ኢትዮጵያ ዘተኣሳስሮ ድልድል ሱፍቱ ን ራህሙን ንምህናፅ ቃል ምእታዉ ንኢዶም።

እዚ ድማ ራእይ ልምዓት ክልቲአን ሃገራት ዘሳለጥ ከመዝኾነ ገሊፆም።

ብየሻምበል ምህረት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.