ቅልውላው ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ኢኮኖሚ ዓለም ዘስዐበቶ ፅዕንቶ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ኩናት ምንውሑ ንነፍሲ ወከፍ ክፋል ዓለም ክፀሉ ዝኽእል ስግኣት ኢኮኖሚ ስግኣት ይፈጥር ኣሎ።
ኣብ ሳልሳይ ሰሙኑ ዝርከብ ኲናት ኣሜሪካን እስራኤልን ኢራንን ካብ ምዝሕሓል ብዝበለፀ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ።
እዚ ስዒቡ ኣብ መፃብቦ ሆርሙዝ ዘጋጠመ ወተሃደራዊ ወጥሪ ምንዋሕ ኣብ ዓለም ለኸ ቀረብ ነዳዲ ዓብዩ ምዝንባዕ ኣስዒቡ ኣሎ።
እዚ ስዒቡ ንነፍሲ ወከፍ ክፋል ዓለም ኣብ ትሕቲ ፅዕንቶ ኢኮኖሚ እናእተወ ይርከብ።
ብፍላይ ሃገራት እስያ፣ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪካን ከቢድ ፋይናንሳዊን ማሕበራዊን ፈተናታት እናጋጠሞም ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ካብ ዞባዊ ጎንፂታት ክመፅእ ዝኽእል ፀጥታዊ ስግኣትን ዋሕዚ ስደተኛታትን ንምግጣም ትዳሎ ዘላ ጎረቤት ኢራን ቱርኪ ንኻልኣይ ግዜ ወለድ ብምጉዳል ንምርግጋእ ስጉምትታት ክትወስድ ዝሓሰበቶ መደብ ከተሰጋግር ከምዝተገደደት ተገሊፁ፡፡
እዚ ድማ እታ ሃገር ናብ ልዕሊ ዓቐን ዝቕባበ ክትምለስ ትኽእል እያ ዝብል ስክፍታታት ከምዘለዓዓለ ሮይተርስ ፀብፂቡ።
ብሶስና ኣለማየሁ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!