ቅዱስ ጊዮርጊስ ንሃድያ ሆሳእና 2 ን 1 ስዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 25 ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንሃድያ ሆሳእና 2 ን 1 ስዒራ።
ቀትሪ ሰዓት 7 ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ዝተኻየደ ፀወታ፤ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተዓወተትለን ሸቶታት ያብስራ ጎሳን ፉኣድ ኣብደላን አመዝጊቦም።
ብሕታዊት ሸቶ ሃድያ ሆሳእና እውን ያብስራ ጎሳዬ (ኣብ ናይ ባዕሉ ሸቶ) ኣመዝጊቡዋ።
መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ ስዒቡ እንትካየድ ኣብ ተመሳሳሊ ስታዲየም ሰዓት 10 ኢትዮጵያ መድን ምስ ኢትዮጵያ ቡና ክራኸባ ኢየን።
ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ካብ ሰዓት 9 ጀሚሩ ወላይታ ድቻ ምስ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ እናተፃወታ እንትኾና፤ ኣብ ተመሳሳሊ ሜዳ ምሸት ሰዓት 12 መቐለ 70 እንደርታ ምስ ሲዳማ ቡና ክፃወታ ኢየን።