ቆፀሮ ትራምፕን ፑቲንን ኣብ ኣላስካ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን ምስ ሩሲያ መዘነኦም ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ጉዳይ ኲናት ሩሲያ ዩክሬን ብምዝታይ ኣብ መፍትሒ ንምብፃሕ ኣብ ኣላስካ ተራኺቦም ንምዝታይ ቆፀሮ ጂዞም ኣለዉ፡፡
ፕሬዚዳንት ትራምፕ ዳግም ናብ ዋይት ሃውስ ምስተመለሱ ንምስራሕ ቃል ካብ ዝኣተዉዎም ፖለቲካዊ ውሳነታት ሓደ ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ጠጠው ምባል ኢዩ፡፡
እዚ ቃሎም ናብ ተግባር ንምልዋጥ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ንሶምን ዲፕሎማሰኛታቶምን ኲናት ሩሲያ ዩክሬን ንምቁራፅ ልዑል ፃዕሪ እናገበሩ ፀኒሖም ኢዮም፡፡
ዶናልድ ትራምፕ እዚ ኲናት ጠጠው ንምባል ናይ 10 መዓልቲ ስምምዕነት ምቁራፀ ተኹሲ ዘቕረቡ እንትኾኑ፤ ብዩክሬን ወገን እወንታዊ ምላሽ እንትረክብ ሩሲያ ግን ነቲ ፃውዒት እዝኒ ኣይሃበትሉን፡፡
ብፍላይ ድማ ነበር ፕሬዚዳንት ሩሲያ ዲሚትሪ ሜድቬዲቭ “ኣሜሪካ ኢድና ክትጥምዝዝ ኣይትኽልን” ክብሉ ብኤክስ ገፆም ብዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ዝተናደዱ ፕሬዚዳንት ትራምፕ፤ ክልተ ኑክሌር ተሸከምቲ መራኽብ ናብ ዶብ ሩሲያ ክፅገዓ ምግባሮም ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ፖለቲካዊ ወጥሪ ተፈጢሩ ፀኒሑ ኢዩ፡፡
ይኹን እምበር ፍሉይ ልኡኽ ዶናልድ ትራምፕ ዊትኮፍ ናብ ሞስኮ ብምምራሕ ምስ ፕሬዚዳንት ፑቲን ብምዝታይ ፃንሒቶም ብዝምልከት ንፕሬዚዳንት ትራምፕ ሪፖርት ገይሮም ኢዮም፡፡
በዚ ድማ ኣብ ዝቕፅለ ዓርቢ ፕሬዚዳንት ትራምፕን ፕሬዚዳንት ፑቲንን ብኣካል ተራኺቦም ኣብ ጉዳይ ሩሲያ ዩክሬን ንምዝታይ ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ተዋስን ግዝኣት ኣላስካ ቆፀሮ ሒዞም ኣለዉ፡፡
ፊት ንፊት ምርኻብ ክልቲኦም መራሕቲ ፅዕንቶ ጂኦፖለቲካ ዓለም ኲናት ሩሲያ ዩክሬን ናብ ሰላማዊ ድርድር ከምፅእ ይኽእል ኢዩ ዝብል እምነት ከምዘሎ ቢቢሲ፣ ዘጋርዲያንን ኣርቲን ፀብፂቦም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!