በረራ ኣቡ ዳቢ መገዲ ኣየር ኣፍሪካ ምስ ካልኦት ሃገራት ዓለም ንምትእስሳር ፃዕሩ ክጠናከር እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) በረራ ኣቡ ዳቢ መገዲ ኣየር ኣፍሪካ ምስ ካልኦት ሃገራት ዓለም ንምትእስሳር ዝግበር ፃዕሪ ክጠናከር እዩ ኢሎም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው፡፡
እቲ መገዲ ኣየር ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ርእሰ ከተማ ኣቡ ዳቢ ትማሊ ሓድሽ በረራ ጀሚሩ።
እቲ መንገዲ ኣየር ንፈለምቲ ተጉዓዝቲ ኣቡ ዳቢ ዛይድ ኣብ መዕርፎ ነፈር እንትበፅሑ ላዕለዎት ኣመራርሓ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።
ኣይተ መስፍን ጣሰው ኣብቲ እዋን÷ እቲ መንገዲ ኣየር ምስ ዝተረፉ ሃገራት ዓለም ብምትእስሳር ከም ማእኸል ብምጥቃም ናብ ዝተፈላለዩ መባፅሕ ቦታታት እናበረረ ይርከብ ኢሎም።
በረራ ኣቡ ዳቢ መጀመርያ እዙይ ዘጠናኽር ምዃኑ ኣረዲኦም÷ ምስ ኢትሃድ ብምትሕብባር ዝተጀመረ ቀጥታዊ በረራ ንተሳተፍቲ ምቹው ሃዋህው ዝፈጥርን ንንግዲን ባህልን ምትእስሳር ዓብዪ ዓቕሚ ዝፈጥር ምዃኑ እውን ገሊፆም።
ብዘመን በየነ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡