Fana: At a Speed of Life!

በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰልና ንምርግጋፅ ኣብ ዘኽእል ቁመና ንርከብ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ወናንነት በሪ ባሕሪ ንምርግጋፅ ኣብ ዘኽእል ቁመና ንርከብ ኢሎም ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ።

መበል 118 መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ “ዘይትድፈር ሃገር ዘይብዳህ ሰራዊት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ሓይሊ ባሕሪ ይኽበር ኣሎ።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ሃገርና ሃፍቲ ተፈጥሮኣ ከይትጥቀም ዝደልዩ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኣለዉ ኢሎም።

ብሽርሒ እዞም ፀላእቲ ኢትዮጵያ ብውሽጣዊ ጎንፂ ንኽተድህብን ንዘበናት ኣብ ድኽነትን ድሕረትን ክትፀንሕ ከምዝተገበረት ኣገንዚቦም፡፡

ብጅግንነት ሰራዊትና፣ ብሓገዝ ህዝብናን ብብሱል ኣመራርሓ መራሕቲናን እቲ ሽርሒ ብምትታኽ ናብ ሰላምን ልምዓትን እናተሰጋገርና ንርከብ ኢሎም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድን እኩይ ሽርሒ ታሪኻዊ ፀላእቲናን ናባዕዳውያን ኣቤት ዝብሉ ሓይሊታትን ብምፍሻል መገዲ ልምዓት፣ ሰላምን ምብራኽን ጀሚርና ኣለና ኢሎም፡፡

ንኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝፈተኑ ሓይሊታት ፈሪሶም፤ ኩለመዳይ ዓቕሚ ሃገርን ትካላትን እናወሰኸ ከምዝመፅአ ኣመልኪቶም፡፡

ኢትዮጵያ ናፅነታን ሉኣላዊነታን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንኽሰጋገር ብዙሕ መስዋእትነት ከምዝተኸፈል ኣዘኻኺሮም፡፡

ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ደቂስና ኢና፤ ሕዚ ግን ከም ሃገር ንኸይንድቅስ ነቒሕና ኢና ዝበሉ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ÷ ሕቶ ህልውና ሃገርና ዝኾነ ሰላም፣ ልምዓትን ተረባሕነት በሪ ባሕሪን ክነዕውት ኢና ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምጥንኻር ሰላምናን ወናንነት በሪ ባሕሪን ንምርግጋፅ ኣብ ዘኽእል ቁመና ንርከብ ምባሎም እውን ኦንላይን ሚዲያ ምክልኻ ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.