በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት መመሓላለፊ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰለን ክኽበር ይግባእ – ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ድሕንነቱ ዝተሓለወ መመሓላለፊ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰለን ክኽበር ይግባእ ኢሎም ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፡፡
ሳልሳይ ጉባኤ በሪ ባሕሪ ዘይብለን ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ተርኪሚኒስታን ይካየድ ኣሎ።
ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ኣብቲ ኮንፍረን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ በሪ ባሕሪ ዘይብለን ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ቀጥተኛ መመሓላለፉ በሪ ባሕሪ ዘይምርካብ፣ ልዑል ትራስፖርት ወፃኢን መሰረተ ልምዓትን እኹል ብዝኾነ መገዲ ዘይምልኡ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት መሰረታዊ ፀገማት እናተፈተና ከምዝርከባ ኣብሪሆም።
ወጥሪታት ጂኦ ፖለቲካ፣ ለውጢ ንብረት ኣየርን ልዑል ፅዕንቶ ዕዳን እቲ ፀገም ብዝበለፀ ክበኣኣስ ምኽንያት ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም።
ኢትዮጵያ 50 መሬትን 60 ቦታ ውቅያኖስ ዓለምን ዝሽፍኑ ዓለም ለኸ ሃፍቲታት ማይ ናይ ኩለን ሃገራት ምዕባለ ናይ ምርግጋፅ ትልሚ ከምዘዕውቱ ብፅኑዕ ተኣምን ኢሎም።
በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ዘይተቛረፀን ድሕንነቱ ዝተሓለወን መመሓላለፊ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰለን ክኽበር ከምዝግባእ እውን እቶም ሚኒስትር ኣፅንኦት ሂቦም።
እዚ ድማ ካብ ትራንዚት ሓሊፉ ኩለመዳይ መሰል ሃገራት ከምዝኾነ ብዕሊ ምርዳእ ከምዘድሊ ብምሕባር÷ ጠለብ እተን ሃገራት ኣብ ዕድላት ማሪታይም ኢኮኖሚ ተረባሕቲ ምዃን፣ ሓለዋ ከባቢን ድሕንነት ማሪታይም ምሕላውን ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።
መሰረታዊ ፅንሰ ሓሳባት በሪ ባሕሪ ሙሉእ ብሙሉእ ክትግበሩ ከምዝግባእ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር÷ እዚ ድማ ዘላቒን ሓበራዊ ልምዓት ንምምፃእን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
ኢትዮጵያ ካብዚ ኮንፍረንስ በሪ ባሕሪ ኣብ ምርካብ ዘሎ ኣረኣእያ ለውጢን ዓለም ነቲ ጉዳይ ዘሎ ቆራፅነትን ዳግም ክሕደሰሉ ኢዩ ኢላ ትፅቢት ከምትገብር ተዛሪቦም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!