በቢከባቢኡ ዘሎ ሃፍቲ ብምርአይ ዝውገ ስራቲ ምዕባለ ዘረጋግፁ ኢዮም – ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባካታትን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) መንግስቲ በቢከባቢኡ ዘሎ ሃፍቲ ብምርአይ ዝውገ ስራቲ ምዕባለ ዘረጋግፁ ኢዮም ኢሎም።
ካብ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ’ገበታ ንትውልዲ’ ካልኣይን ኣብ 385 ሄክታር መሬት ዝዓረፈን ሸበሌ ሪዞርት ትማሊ ምምራቑ ይፍለጥ።
ኣብ መርሃ ግብሪ እቲ ምረቓ መተሓባበሪ ፕሮጀክት ህንፀት ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ሸበሌ ሪዞርት 46 ሺሕ ስኩዌር ሜትሮ ዝሽፍን መልክኣ ምድሪ ናይ ምውቃብ ስራሕ ዝተሰርሐሉ ኢዩ፡፡
እቲ ሪዞርት ማቕኸል መቐበሊ ኣጋይሽ፣ ሹቓት፣ ባህላዊን ዘበናብን ቤት ምግቢ፣ መእከቢ ኣዳራሻትን ኣንፊ ቲያትራትን ዘካተተ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ 150 ሰብ ዝሕዝ መእከቡ ኣዳራሽ፣ ስፓ፣ መዘውተሪ ስፖርት፣ ናይ ፅባቐ ሳሎን፣ ሰለስተ መሕመሲ ገንዳታት ከምኡ እውን መፃዊቲ ህፃናት ከምዘለዉዎ ገሊፆም።
ከባቢ እቲ ፕሮጀክት ሓምለዋይን ኣብ ከይዲ ድማ ጫካ ንምግባር ብምሕሳብ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ልዕሊ 150 ሄክታር ዝሽፍኑ 360 ሺሕ ዝተፈላለዩ ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ኣብሪሆም።
ሸበሌ ሪዞርት ሓዊሱ መንግስቲ በቢከባቢኡ ዘሎ ሃፍቲ ብምርኣይ ዝውግኖም ስራሕቲ ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘረጋግፁ ኢዮም ዝበሉ ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)፤ ዝተረኸቡ ፅቡት ተሞክሮታት ብምድማር ኣብ ቀፃሊ ንዝሐሸ ውፅኢት ምትጋህ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
ብኣቤል ነዋይ