በዓል ልደት ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ተኸቢሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝተፈላለያ ክፋላት ዓለም ብዝተላለዩ መደባት ትማሊ ብድምቀት ተኸቢሩ፡፡
በዓል ልደት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ብምሕሳብ ዝኽበር እንትኸውን÷ እቲ በዓል ኣብ ወርሒ ታሕሳስ መበል 29 መዓልቲ ክኽበር ኢዩ።
ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ግዘ ድማ ኣብ ዘበነ ዮሃንስ 28 ታሕሳስ ይኽበር፡፡
ኣቆፃፅራ ዘበን ጎርጎሮሳውያን ዝኽተላ ሃገራት 16 ታሕሳስ (ዲሴምበር 25) በዓል ልደት ዘኽብሩ እንትኾኑ፤ ኣቆፃፅራ ዘበን ጁሊያን ዝኽተላ ሃገራት ድማ 29 ታሕሳስ 29 (ጃንዋሪ 7) በዓል ልደት የኽብራ።
ሩሲያ፣ ግብፂ፣ ሰርቢያን ኤርትራን፤ በዓል ልደት ትማሊ ምስ ኢትዮጵያ ዘሕበራ ሃገራት ኢየን፡፡
ዩክሬን ቅድም ክብል እቲ በዓል 29 ታሕሳስ ተኽብር ዝነበረት እንትትከውን፤ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2023 ንደሓር ግን ብውሳነ መንግስቲ እቲ በዓል 16 ታሕሳስ እናተኸበረ ይርከብ።
ይኹን እምበር ብዙሓት ዩክሬናውያን ተኸተልቲ እምነት ክርስትና በዓል ልደት ትማሊ ኣኽቢረን ውዒሎም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!