በዓል መስቀል ደመራ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዘርእይ ሃይማኖታዊ በዓል ኢዩ- ወ/ሮ ሸዊት ሻንካ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መስቀል ደመራ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዘርእይ ሃይማኖታዊ በዓል ኢዩ ኢለን ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ወ/ሮ ሸዊት ሻንካ።
በዓል መስቀል ደመራ 2018 ዓ.ም ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ይኽበር ኣሎ።
እተን ሚኒስትር ኣብቲ መድረኽ ተረኺበን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ኢትዮጵያ ከም ዕንፀይቲ ሽግ ናይ ብዙሕ ባህልታት፣ ውቁብ ክብሪታት፣ ብዝሃ ህፍቲን ታሪክን ዘለዋ ሃገር ኢያ ኢለን።
ካብ መንጎ እቶም በዓላት ሓደ በዓል መስቀል ከምዝኾነ ብምሕባር፥ እቲ በዓል ኣብ ዩኔስኮ ብዘይድህሰስ ቅርሲ ዝተመዝገበ ሃፍቲ ዓለም ከምዝኾነ ኣዘኻኺረን።
ናይ ኢትዮጵያ ብዝሃ ሃፍቲን ክብሪን ዘንፀባርቕ በዓል መስቀል ኢትዮጵያዊያን ብሓባር ዘተኣሳስር በዓል ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!