በዓል መስቀል ደመራ ኣብ መልላእ ሃገር ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ተኸቢሩ-ፖሊስ ፌዴራል
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መስቀል ደመራ 2018 ዓ.ም ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ መልላእ ሃገር ብድሙቕ ተኸቢሩ ተዛዚሙ ኢሉ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ።
ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሓይሊታት ፀፅታን ድሕንነትን ብምውዳድ ኣብ መልላእ ሃገር ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ብዙሓት ሰራዊት ፖሊስ ብምውፋር፣ ምስ ህዝቢ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ኮሚቴታት ኣሰናዳእቲ እቲ በዓልን መናእሰይን ብምዃን ተሓባቢሩ ብምስርሑ እቲ በዓል ብድምቀት ምኽባሩ ገሊፁ።
እቲ በዓል ብሰላም ንክዛዘም ልዑል ግደ ንዝነበሮ ህዝቢ ከምኡውን መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ክፋላት ማሕበረሰብን አመስጊኑ።
ህዝቢ ሰላም ከባቢኡ ብምሕላው ንዘርኣዮ ቅኑዕ ምትሕብባር ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝኽበሩ በዓላት ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔን ሆረ ኣርሰዲን ብተመሳሳሊ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!