Fana: At a Speed of Life!

በዓል መስቀል ደመራ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መስቀል ደመራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ይኽበር ኣሎ።
 
ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘአክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ነቲ ክብረ በዓል ብፀሎት ኣጀሚረምዎ።
 
ኣብ ስነ ሰርዓት እቲ በዓል፥ ኣቦታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ፣ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እታ ከተማ፣ ዲፕሎማታት፣ ምእመናንን ሃወፅቲን ተረኺቦም።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.