በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ንብዝሃ መንነትና ኣፍልጦ ዝሃበ ኢዩ – ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ንብዝሃ መንነትና ኣፍልጦ ዝሃበ ኢዩ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፡፡
ብብርኪ ክልል ኦሮሚያ መበል 20 በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኣብ ቡሌ ሆራ ይኽበር ኣሎ፡፡
ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት መሰል ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝታትን ተኸቢሩ፤ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት እናተጠናኸረ መፂኡ።
እቲ በዓል ልምዓት ክልላት ክስፋሕፋሕ፣ ሃፍቲታት ቱሪዝም ክፋለጥ ምግባር፣ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ክግለፁ ከምኡ እውን ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጀክታት ክዛዘሙን ካልኦት እውን ንኽጅመሩ ኣስተዋፅኦ ከምዝነበሮ ፀሪሖም።
እቲ በዓል ንብዝሃ መንነትና ኣፍልጦ ዝሃበ ኢዩ ዝበሉ እቶም ኣፈ ጉባኤ÷ ናይዚ ዓመት በዓል ኢትዮጵያ እናዘተየት ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ኣብ ዝበፅሐትሉ እዋን ዝኽበር ብምዃኑ ዝተፈለየ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ከምኡ እውን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዛዘመሉን ተስፋ ብርሃን ሃገርና ምርኣይ ኣብ ዝጀመረሉን እዋን ዝኽበር ከምዝኾነ ፍሉይ ይገብሮ ኢሎም።
እቲ በዓል ናየ ሓባር ታሪኽ፣ ባህሊን ክብሪታቶምን ዝረኣየሉ ከምኡ እውን ምትእስሳር ናብራ ዝምዕብለሉን ንመላእ ዓለም እነፋልጠሉን መድረኽ ኢዩ ክብሉ እውን ኣመልኪቶም።
ኣፈ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ሰዓዳ ኣብዱራህማን ብግደአን÷ እቲ በዓል ህዝቢታት ኢትዮጵያ ብሓድነት ባህሊን ክብሪታቶምን ዘርእዩሉ ኢሉ እውን ቃልኪዳኖም ዝሕድሱሉ ከምዝኾነ ገሊፀን።
ብመራኦል ከድር
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!