Fana: At a Speed of Life!

በዓል መዚ ኮንስትራክሽን ክልል ኦሮሚያ ሓዱሽ መተግበሪ ኣገልግሎት ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መዚ ኮንስትራክሽን ክልል ኦሮሚያ ስራሕቲ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ንምዝማንን ንምቅልጣፍን ዘኽእል “ፉርቱ” ዝተብሃለ ሓዱሽ መተግበሪ ኣገልግሎት ኣጀሚሩ፡፡ እቲ መተግበሪያ ዓማዊል ዝደለዩዎ ኣገልግሎት ካብ ሰብ ምንኽኻእ ናፃ ብዝኾነ መገዲ ኣብ ዘለዉዎ ኮይኖም ንኽረኽቡ ዘኽእል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ዋና ፈፃ ስራሕ እቲ በዓል መዚ ናትናኤል ጌታሁን (ኢ/ር)፤ እቲ ሓዱሽ መተግበሪ ተግባራዊ ዝተገበረ ማሕበረሰብ ኣብ ስሩዕ ስራሕ ቦታኡ ኮይኑ ኣገልግሎት ምርካብ ክኽእል ንምግባር ኢዩ ኢሎም።

እቲ መተግበሪ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ሙሉእ ብሙሉእ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጅምርን ተገልገልቲ እውን ብቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ካብ ዝህቡ ኣገልግሎታት ተረባሒ ክኾኑ ተዛሪቦም።

ብዳሳለኝ ኣበራ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.