በዓል ሻደይ፣ ኣሸንድዬን ሶለልን ብድምቀት ይኽበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ በዓል ሻደይ፣ ኣሸንድዬን ሶለልን ብድምቀት ይኽበር ኣሎ።
እቲ በዓል ኣብ ከተማታ ላልይበላ፣ ቆቦን ሰቆጣን ብዝተፈላለዩ ከባቢታት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ በፃሕቲን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ኣብ ዝተረኸቡሉ ሓድነት ብዝበለፀ ምጥንኻር ብዘኽእል መልክዑ እናተኸበረ ምዃኑ ተገሊፁ።
ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣረጋ ከበደ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ ባህሊ ናይ ሓደ ማሕበረሰብ ቁሳዊን መንፈሳዊን ትውፊት ዝንፀባረቐሉ ኣሰር ታሪኽ ኢዩ ኢሎም።
በቢዓመቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዝኽበሩ ባህላዊን ሃይማኖታዊ በዓላት ማሕበራዊ ርክብ ዝሳለጠሉ ክብሪታት ከምዝኾኑ እውን ተዛቦም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!