በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኽበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ “ኢሬቻ ንብራኸ ሃገር” ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ።
ኣብ ምኽባር እቲ በዓል ኣባ ገዳታት፣ ኣባ መልካታት፣ ኣባ ሙዳታት፣ ሃደ ሲንቄታትን መናእሰይን ሓዊሱ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ዝመፅኡ ክፋልት ሕብረተሰብ ተረኺቦም፡፡
ኢሬቻ ህዝቢ ኦሮሞ ምዝዛም ክረምቲ ስዒቡ ንፈጣሪ ምስጋና ዘቕርበሉን መፃኢ ዘበን ሰናይ ንኽኸውን ዝልምነሉን በዓል ኢዩ፡፡
ዕዱማት እቲ በዓል ባህሊ ህዝቢ ኦሮሞ ብዘንፀባርቑ ክዳውንቲም ፀወታታትን ተዓጂቦም ብድምቀት እናኽበሩ ይርከቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!