Fana: At a Speed of Life!

በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ “ኢሬቻ ንብራኸ ሃገር” ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ።

ኣብ ምኽባር እቲ በዓል ኣባ ገዳታት፣ ኣባ መልካታት፣ ኣባ ሙዳታት፣ ሃደ ሲንቄታትን መናእሰይን ሓዊሱ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ዝመፅኡ ክፋልት ሕብረተሰብ ተረኺቦም፡፡

ኢሬቻ ህዝቢ ኦሮሞ ምዝዛም ክረምቲ ስዒቡ ንፈጣሪ ምስጋና ዘቕርበሉን መፃኢ ዘበን ሰናይ ንኽኸውን ዝልምነሉን በዓል ኢዩ፡፡

ዕዱማት እቲ በዓል ባህሊ ህዝቢ ኦሮሞ ብዘንፀባርቑ ክዳውንቲም ፀወታታትን ተዓጂቦም ብድምቀት እናኽበሩ ይርከቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.