በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል ኣሸንዳ 2017 ዓ/ም ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ዓብይ ዓዲ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ፡፡
ኣብ’ቲ በዓል፥ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም።
እቶም ኣጋይሽ ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ እንትበፅሑ ብህዝቢ እታ ከተማን ደቂ ኣሸንዳን ልዑል ኣቀባብላ ተገይሩሎም።
ኣብ ትግራይ ካብ ዝኽበሩ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓላት ሓደ ኣሸንዳ እንትኸውን፥ እቲ በዓል ኣብ ዝተፈላላዩ ከባብታት ትግራይ ኣሸንዳ፣ ማርያ፣ ዓይኒ ዋሪ፣ ሕነጊደይ ፀሞረይ ብዝብሉ ስያመታት ኢዩ ዝፅዋዕ።
ደቂ ኣሸንዳ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ትግራይ ባህለን ብዝበለፀ ዘፋልጣሉን ናፅነተን ዘንፀባርቓሉን በዓል እውን ኢዩ።
ብመሰረት እዚ ሎሚ ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ዝኽበር ዘሎ ስነ ስርዓት ኣሸንዳ፥ ኣውርስ ተምቤን ባህላዊን ሃይማኖታዊን ስነ ስርዓቱ ብዝሓወ መልክዑ ብድምቀት ይካየድ ኣሎ።
አብቲ ስነ ስርዓት ብኣሸሓት ዝቑፀራ ጎራዙ ደቂ ኣሸንዳ ተረኺበን የድምቕኡ ኣለዋ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!