Fana: At a Speed of Life!

ቢል ጌትስ ንዘላቒ ሓገዝ ኣፍሪካ ዝግበር ፃሪ ንምሕጋዝ ቃል ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቢል ጌትስ ዘላቒ ሓገዝ ኣፍሪካን ዓለም ለኸ ምሕዝነትን ንምጥንኻር ዝግበር ፃዕሪ ከምዝድግፉ ቃል ኣቲዮም፡፡

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማህሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብ ጉዳይ ምትሕብባር እቲ ሕብረትን ፋውንዴሽን ጌትስ ብጥማት ምስ ቢል ጌትስ ተዛቲዮም፡፡

ስራዓት ጥዕናን ውሕስና ምግቢን ኣፍሪካ ንምድንፋዕ ከምኡ እውን መፍረይቲ ክታበትን መድሓኒትን ውሽጢ ሃገር ምስፍሕፋት ሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘቲዮም፡፡

ማህሙድ ኣሊ ዩሱፍ ኣብቲ እዋን፥ ብፍላይ ዓለም ለኸ ሓገዛት ቁራፅን ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢን ንምፅዋር ቃል ዝተኣተዉ ሓገዛት ዘይምፍፃም ነታ ኣህጉር ዘተሓሳስቡ ከምዝኾኑ ኣልዒሎም፡፡

ቢል ጌትስ ብግደኦም ስግኣት ኣፍሪካ ከምዝካፈሉ ብምግላፅ፥ ንዘላቒ ሓገዝን ዓለም ለኸ ምሕዝነትን እታ ኣህጉር ንምጥንኻር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ከምዝድግፉ ቃል ኣቲዮም፡፡

ክልቲኦም ወገናት ህፁፅ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር፣ ፍትሓዊ ንግዲ፣ እፎይታ ዕዳን ኣድላይነት ኣፍሪካ ትመርሖ ፈጠራን ሓበራዊ ቅዋም ከምዝሓዙ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.