ባህላዊ ስርዓት ኣፈታትሓ ጎነፅ ተበፃሕነት ፍትሒ ክብ ንክብል ይገብር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባህላዊ ስርዓት ኣፈታትሓ ጎነፅ ተበፃሕነት ፍትሒ ክብ ንክብል ይገብር ኣሎ ኢለን ሚኒስትር ፍትሒ ሃና ኣርኣያስላሴ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሎ ስርዓት ሕጊ ባህላዊ ሜላ ኣፈታትሓ ጎነፅ ንምክታት ክውሰዱ ብዛዕባ ዝግበኦም ስጉምቲታት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ይካየድ ኣሎ።
ወ/ሮ ሃና ኣርአያስላሴ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ዓመታት ጎነፅ ብባህላዊ ስርዓት ፍትሒ ክፍትሑ ፀኒሖም ኢዮም ኢለን።
ህዝቢ ንብዙሓት ዘበናት እንትጥቀመሎም ዝፀንሐ ባህላዊ ስርዓታት ኣፈታትሓ ጎነፅ ኣፈልጦ ሕጊ ንክረኽቡ፣ ንክተባብዑን ንክሰፍሑን ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፀን።
መንግስቲ ኣብ ተልሚ ትራንስፎርሜሽን ፈትሒ ትካላት ፈትሒ ማሕበረሰብ ንክስፋሕፍሑ ብምግባር ኣፈልጦ ይህብ ምህላዉ ምዝራበን ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!