ባህላዊ ክብሪታት ንህንፀት ሃገር ዘለዎም ግደ ንምጉላህ ይስራሕ ኣሎ-ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባህላዊ ክብሪታት ንህንፀት ሃገር ዘለዎም ግደ ንምጉላህ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር።
“ቢስት ባር” በዓል መለወጢ ዘበን ቢንች ሎሚ ኣብ ከተማ ሚዛን ኣማን ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ተኸቢሩ።
ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር፥ ኢትዮጵያ ዘለዉዋ ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ቅርስታት ናብ ረብሓ ብምቕያር ንዘላቒ ምዕባለ መንጠሪ ነክኸወን ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ማእኸል በዝሃ ባህሊታትን መርኣያ ምክእኣልን ዝኾነት ዓባይ ሃገር ኢያ ብምባል፥ ንኸፋፋሊን ነፃፃሊን ያታ ዘይጥዕሙ ህዝብታት ዝርከቡላ ከምዝኾነት ኣዘኻኺሮም።
ባህላዊ ክብሪታት ብሄረሰባት ሓበራዊ ሓቂታትን ብሄራዊ ያታታትን መሰረት ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ንህንፀት ሃገር ዘለዎም ግደ ጉሊሁ ንክወፅእ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!