ባሕር ዳር ብሓበራዊ ፃዕሪ ጥንኩራት ኣመራርሓን ነበርቲን እናወቀበትን እናደመቐትን ትርከብ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባሕር ዳር ከም ወጋሕታ መስከረም ፅባቐ፣ ተስፋን ልምዓትን ኮይኑሎም ተመልኪትና ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።
ማይ ምስ ፅባቐን ህድኣትን፤ መልክዓ ምድሪ ምስ ልሙዕነቱ፤ ልምላመ ምስ ንፅህና ዝተዓደለት መልክት ፅባቐ ባህር ዳር ብሓበራዊ ፃዕሪ ጥንኩራት ኣመራርሓን ነበርቲን ፅባቐኣ ብበለፀ እናዓምበበትን እናደመቐትን ትርከብ ኢሎም።
ኣብ ዓብዪ ኣባይ ዝተሃነፀ በዓል ግርማ ድልድል ንከተማ ባህር ዳር ካብ ዓወት ንላዕሊ መፍለዪ ቀለማ፣ መብፅሒ ቱሪዝም ከምዝኾነ ተመልኪትና እውን ኢሎም እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ።
ባህር ዳር ንፅባቐኣን ክብራን ዝምጥኑ መዘናግዒ ቦታታት እናተሃነፁ፤ ልምዓት ኮሪደር እውን ካብ ፅባቐ ዝተሳገረ ልምዓት ዘቀላጥፍ ኮይኑ ብቕልጣፈን ፈጠራን እናፀበቐት ትርከብ ኢሎም ገሊፆም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!