ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ከተማ ባህርዳርን ማዕረ ተፈላልየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መበል 29 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ፀወታ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ከተማ ባህርዳርን ብዘይ ሸቶ ማዕረ ተፈላልየ፡፡
እቲ ውፅኢት ስዒቡ ከተማ ባህርዳር ብ47 ነጥቢ ኣብ 3ይ ብርኪ እንትትስራዕ÷ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ድማ ብ38 ነጥቢ ኣብ 9ይ ብርኪ ሒዛ ትርከብ።
ከተማ ባህርዳር ድሕሪ 3 ፀወታታት ብማዕረ እንትትስራዕ÷ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 4 ፀወታታት ምስዓር ኣይከኣለትን፡፡
እቲ ሊግ ፀወትኡ እንትቕፅል ምሸት ሰዓት 12:00 መቻል ምስ ስሑል ሽረ ክጋጠማ እየን።