Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ሳይበርን ዲጂታል ምግምዳሕን ንምክልኻል ይሰርሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝፍፀሙ መጥቃዕቲ ሳይበርን ዲጂታል ምግምዳሕን ንምክልኻል ጠመተ ሂበ ይሰርሕ ኣሎኹ ኢሉ።

እቲ ባንኪ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ንመበል ካልኣይ ጊዘ “እሙን ኣገልግሎት ባንኪ ብባዶ ትረስት ድሕንነት” በዘብል መሪሕ ሓሳብ የኽብር ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግበሪ ዝተረኸቡ ምክትል ፕሬዚዳንት ኤክስኪውቲቭ ኣገልግሎታት ኮርፖሬት እቲ ባንኪ ኣይተ ኤፍሬም መኩሪያ፥ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዘተኣማምንን ነዚ ዘበን ዝምጥን ስሉጥ ኣገልግሎት ዝህብ ዘሎን ኢዩ ኢሎም።

ብፍላይ ዲጂታል ኢትዮጵያ ዕላዊ ንምግባር ዝግበር ፃዕሪ ንምጥንካር ገድኡ ይዋፃእ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን 90 ሚኢታዊት ምትጥድዳግ ብኣማራፂ ዲጂታል ይካየድ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ምስ ‘ዚ ተዛሚዱ ተቓላዕነት መጥቃዕቲ ሳይበርን ዲጂታል ምግምዳሕን እናወሰኸ ከምዝመፅአ ገሊፆም።

ነቲ ፀገም ንምክልኻል እቲ ባንኪ ነዚ ዘበን ዝምጥን ስርዓት ቴክኖሎጂ ብምዝርጋሕ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።

ብፍላይ መጥቃዕቲ ሳይበርን ዲጂታል ምግምዳሕን ንምክልኻል ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.