ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ‘ሲቢኢ ኣብ ኢደይ’ ዝተብሃለ ዲጂታል ኣገልግሎት ዕቋርን ልቓሕን ኣጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ‘ሲቢኢ ኣብ ኢደይ’ ዝተብሃለ ዲጂታል ኣገልግሎት ዕቋርን ልቓሕን ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ገይሩ፡፡
ኣብቲ መጀመሪ ስነ ስርዓት ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ኣይተ ኤፍሬም መኩሪያን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ትካላትን ተረኺቦም።
ኣይተ ኤፍሬም ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ባንኪ ንግዲ ዘበኑ ዝጠልቦም ሓደሽቲ ኣገልግሎታት ብምፍልፋል ቅልጡፍን ዘተኣማምንን ኣገልግሎት እናሃበ ይርከብ።
እቲ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ብቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ዲጂታል ንምግባር ዝተጀመረ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቀፀለ ተዛሪቦም።
ዲጂታል ኣገልግሎት ዕቋርን ልቓሕን ‘ሲቢኢ ኣብ ኢደይ’ ክሳብ 150 ሺሕ ብር ዝኸውን ልቓሕ ብዘይ መትሐዚ ንምርካብ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።
እቲ ኣገልግሎት ንምርካብ ድማ ናይ ትካላት ሰራሕተኛታት ወርሓዊ መሃያ ብሲቢኢ ብር ንምኽፋል ስምምዕነት ክፍፅሙ ከምዘለዎም ኣብሪሆም።
እቲ ኣገልግሎት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ቅድሚት ተረባሕቲ ንምግባር ግንዛበ ምሃብን ካልኦት ኣድለይቲ ምድላዋትን ተገይሮም ኢሎም።
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!