Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንዓውዲ ውልቀ 121 ሚሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዓውዲ ውልቀ ካብ ዘቕረብዎም ሕቶታት ሸርፊ ወፃኢ ውሽጢ  505 ብምፅዳቕ  121 ሚሊየን ዶላር ፈቒዱ።

እቲ ባንኪ ካብ መንጎ ዝቐረቡ ሕቶታት 81 ሚኢታዊ ንዝኾኑ ሕቶታት ምላሽ ብምሃብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሸርፊ ወፃኢ ንዝተፈላለዩ ድልየታት ምፍቃዱ ገሊፁ።

እቲ ባንኪ፥ ከም ዘበናዊ ዱኽዒ፣ ነዳዲን ካልኦት ክፍሊታት ኣታዊን ኣገልግሎትን ድልየታት በቢዕለቱን ብስሩዕ ካብ ዝገብሮ ቀረብ ሸርፊ ወፃኢ ተወሳኺ ኢዩ ኢሉ።

እቲ ምፍቃድ ሸርፊ ወፃኢ ምስ ድልየት ዓማዊልን ስትራቴጂካዊ ቀዳምነትን ብምጥዕዓም ብስሩዕ ምላሽ ከምዝህብ እቲ ባንኪ ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.