Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ኢንቨስትመንት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ 110 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ንምግባር ቃል ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ኢንቨስትመንት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ፕሮግራም ቀረብ ፋይናንስ ገፀር ንምምሕያሽ ዝውዕል 110 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ንምግባር ቃል ኣቲዩ፡፡

ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሺዴ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓን ባንኪ ኢንቨስትመንት ኣውሮፓን ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ዳይሬክቶሬት ጄነራል ዓለም ለኸ ምሕዝነት ማሪያታ ጃገርን ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ምሕዝነት ኢንቨስትመንት ባንኪ ኣውሮፓን ቱራያ ትሪኪን ኣብ ዝተገበረ ዝተገበረ ዘተ ምትሕብባር ንምጥንኻር ተላዚቦም።

ኣይተ ኣህመድ ሽዴ ኣብቲ እዋን ዘተ ባንኪ ኢንቨስትመንት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ትሑትን ማእኸለዎት ኢንተርፕራይዛት፣ ኣብ ፕሮጀክት ፅሩይ መስተ ማይን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ደቂ ኣንስትዮን እናገበሮ ዝርከብ ሓገዝ ንኢዶም፡፡

ቱራያ ትሪኪን ብግደአን÷ ትካለን ንመፈፀሚ ሳልሳይ ምዕራፍ ፕሮግራም ቐረብ መመሓየሺ ፋይናንስ ገፀር (RUFIP III) ዝውዕል 110 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፀን፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.