Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ኢንቨስትመንት ኣውሮፓ ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ትሰርሖ ዘላ ስራሕ ከምዝድግፍ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ምስ ባንኪ ኢንቨስትመንት ኣውሮፓ ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዝዓለመ ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ።

ኣብቲ ስምምዕነት፥ ምከትል ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ሰለሞን ደስታን ተወካሊ ባንኪ ኢንቨስትመንት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪካን ሌይላ ትራውሬ ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ምክትል ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ሰለሞን ደስታ፥ እቲ ሰነድ ስምምዕነት ምትሕብባር ክልቲአን ባንኪታት ንምጥንኻር ዝዓለመ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ዘይብዳህ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምህናፅ እትገብሮ ፃዕሪ ባንኪ ኢንቨስትመነት ኣውሮፓ ንክድገፍ ዘኽአል ኢዩ ኢሎም።

ሌይላ ትራውሬ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ትሰርሖ ዘላ ስራሕ ዝምስገን ኢዩ ኢሎም።

ብዙሓት ሃገራት ኣብ ሓምላዋይ ለምዓት ብዘይምስረሐን ኩለ መዳይ ፈተናታት ንምሕላፍ ምግዳደን ተዛሪቦም።

ባንኪ ኢንቨሰትመነት ኣውሮፓ እውን ኢትዮጵያ ንክሊማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ኢኮኖሚ ንምህናፅ እትገብሮ ፃዕሪ ከምዝድግፍ ገሊፆም።

ብቃለኣብ ግርማ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.