ባንኪ ወጋገን ባንክ ኣብ ታሪኩ ዝለዓለ ኣታዊ 13 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ረኺቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ወጋገን ባንክ ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ ታሪኩ ዝለዓለ ኣታዊ 13 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ረኺቡ።
ብመሰረት እዚ ትርፊ ሓደ ኣክሲዮን ናብ 46 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ክብ ከምዘበለ ዕላዊ ገይሩ።
ኣካቢ ቦርድ እቲ ባንኪ ኣይተ ኣብዲሻ ሑሴን፥ ባንኪ ወጋገን ቅድሚ ታክስ 3 ነጥቢ 85 ቢሊየን በር ትርፊ ከምዝረኸበ ብምግላፅ፥ እዚ እውን ኣብ ታሪኩ ንፈለማ እዋን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
በዝሒ ኣባላት ኣክሲዮን እቲ ባንኪ ክሳብ ወርሒ ሰነ 2017 ዓ.ም 14 ሺሕን 871 ምብፅሑ ተዛሪቦም።
ሓፈሻዊ ካፒታል ባንኪ ወጋገን 12 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ከምዝበፅሐ እውን ሓቢሮም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!