Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ዓለም ኣጀንዳ ልምዓት ኢትዮጵያ ንምዕባይ ሓገዝ ቴክኒክን ፋይናንስ እናገበረ ይርከብ – ኣይተ ኣህመድ ሺዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ዓለም ኣጀንዳ ልምዓት ኢትዮጵያ ንንምዕባይ ሓገዝ ቴክኒክን ፋይናንስ እናገበረ ከምዝርከብ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣህመድ ሺዴ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዓመታዊ ኣኼባ ግሩፕ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ጉዳያት ኦፕሬሽን ባንኪ ዓለም ኣና ብጄርዴ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ፕሮጀክታት ቅድመ-ልምዓት፣ እናተኻየዱ ኣብ ዝርከቡ ስራሕቲ ሪፎርምን ሓደሽቲ ሜላታት ፋይናንሲንግን ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ተዛቲዮም።

ኣይተ ኣህመድ ባንኪ ዓለም ኣጀንዳ ልምዓት ኢትዮጵያ ንምዕባይ ዘለዎ ልዑል ግደን ኣፍልጦ ብመሃብ እናተገበረ ንዝርከብ ልዑል ሓገዝ ቴክኒክን ፋይናንስን ናእዳኦም ገሊፆም።

እቲ ባንኪ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ምዝማን፣ መፍረያይነት ኣብ ምድናፋዕ፣ ሓደሽቲ መገዲታት ዕቤት ብምፍጣርን ተሳትፎ ዘፈር ውልቀ ብምጉልባት ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ኣብ መላእ ሃገር ብርኪ ናብራ ንምምሕያሽ ዘላ ኣስተዋፅኦ ኣመልኪቶም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.