ባንክታት ነንባዕሎም ዕድጊት ሸርፊ ወፃኢ ዘካይዱሉ ዲጂታል ዓወዲ ስራሕ ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪታት ነኒባዕሎም ዕድጊት ሸርፊ ወፃኢ ዘካይዱሉ ዲጂታል ዓወዲ ስራሕ ብዕሊ ጀሚሩ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፣ ዕዳጋ ሰነደ ሙኣለ ንዋያት ኢትዮጵያ፣ ቁልፊ መዳርግቲ ኣካላት ንግዲ ባንኪታትን ዓውዲ ፋይናንስን ተረኺቦም።
እቲ ዓውዲ ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ንዘሎ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚን ንዘፈር ፋይናንስ ዘበናዊነት ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣብ ሞንጎ ባንኪታት ዝግበር ዕዳጋ ሸርፊ ወፃኢ ግልፅነት፣ ትኽክለኛ ዋጋ ናይ ምፍላጥ ከይዲን ስርት ዕዳጋ ዘጠናኽርን ኢዩ ተባሂሉ።
ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ብዕሊ ስራሕ ዝጀመረ ዲጂታል ዕድጊት ውዳበ ዕዳጋ ሸርፊ ወፃኢ ኢትዮጵያ ንምዝማን ኣድላዪ ስጉምቲ ምስጓማ ዘርኢ ኢዩ ኢሎም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!