ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ኣዋጃት ኣፅዲቑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘሳለጦ መበል 33 ስሩዕ ኣኼብኡ ክልተ ስምምዕነታት ልቓሕ ሓዊሱ ኣዋጅ ኣተሓሕዛን ኣወጋግዳን ደረቕ ጓሓፍ ኣፅዲቑ።
ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ባንኪ ዓረብ ንልምዓት ኢኮኖሚ ኣፍሪካን ንዝተዋደደ ልምዓት ፓርክ ውፅኢታዊ ኢንዱስትሪ ግብርና ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ፈጠራ ፕሮጀክት መፈፀሚ ዝተገበረ ስምምዕነት ልቓሕ ኣዋጅ ዝጥምት መብርሂ ሂቦም።
እቲ ስምምዕነት ልቓሕ፥ ፓርክታት ልምዓት ኢንዱስትሪ ግብርና ንምስፋሕ፣ ዓቕሚ ሰብ ሞያ ንምህናፅ፣ ናይ መስኖ መሓውራተን ፍሪያታት ግብርናን ከብ ንምባል ከምኡወን መናእሰይ ኣብ ዓውዲ ገብርና ኢንዱስትሪ ተሳታፊ ንክኾኑ ዘኽእል ስምምዕነት ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓትን ንጥዕና ደቂ ኣኒስቲዮን ኣዋልድን ዝተዋደደ፣ ጠንካራ፣ ብምህዞን ቴክኖሎጂን ዝተሓገዘ ኣገልግሎት ኣወሃህባ ንምምሕያሽ ዝቐረበ ስምምዕነት ልቓሕ ንምፅዳቕ ዝቐረበ ኣዋጅ ፀዲቑ።
ብተመሳሳሊ እቲ ባይቶ፥ ኣዋጅ ኣተሓሕዛን ኣወጋግዳን ደረቕ ጓሓፍ ቁፅሪ 1383/2017 ብሙሉእ ኣፅዲቑ።
ብእዮናዳብ ኣንዱዓለም