ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን መኽፈቲ ስነ ስርዓት መበል ሓምሻይ ዓመት ዘበን ስራሕ ሰኑይ ከካይዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን መኽፈቲ ስነ ስርዓት መበል ሓምሻይ ዓመት ዘበን ስራሕ ሰኑይ 26 መነስከረም 2018 ዓ.ም ከካይዱ ኢዮም።
ዘበን ስራሕ ሓደ ዓመት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ካም መወዳእታ ሰሙን ወርሒ መስከረም ክሳብ 30 ሰነ ምዃኑ ይፍለጥ።
ብመሰረት እዚ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን መኽፈቲ ስነ ስርዓት መበል ሓምሻይ ዓመት ዘበን ስራሕ ሰኑይ ከካይዱ ኢዮም።
እቲ ስነ ሰርዓት ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ዝተረኸብሉ ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኢዩ ክካየድ።
ፕሬዚዳንት ታዬ ንክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ዓመታዊ ስረሖም ከምዝጀመሩ ብምብሳር ዓመታዊ ትልሚ መንግስቲ ፌዴራል ከቕርቡ ኢዮም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!