Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን መኽፈቲ ስነ ስርዓት መበል ሓምሻይ ዓመት ዘበን ስራሕ ሰኑይ ከካይዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን መኽፈቲ ስነ ስርዓት መበል ሓምሻይ ዓመት ዘበን ስራሕ ሰኑይ 26 መነስከረም 2018 ዓ.ም ከካይዱ ኢዮም።

ዘበን ስራሕ ሓደ ዓመት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ካም መወዳእታ ሰሙን ወርሒ መስከረም ክሳብ 30 ሰነ ምዃኑ ይፍለጥ።

ብመሰረት እዚ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን መኽፈቲ ስነ ስርዓት መበል ሓምሻይ ዓመት ዘበን ስራሕ ሰኑይ ከካይዱ ኢዮም።

እቲ ስነ ሰርዓት ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ዝተረኸብሉ ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኢዩ ክካየድ።

ፕሬዚዳንት ታዬ ንክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ዓመታዊ ስረሖም ከምዝጀመሩ ብምብሳር ዓመታዊ ትልሚ መንግስቲ ፌዴራል ከቕርቡ ኢዮም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.