Fana: At a Speed of Life!

ቤተክርስቲያን ኣብታ ከተማ ንዝውገኑ ስራሕቲ ልምዓት ትገብሮ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተወገኑ ንዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ትገብሮ ኩለመዳይ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ኢሎም ብፁኣን ኣቦታት፡፡
ብፁኣን ኣቦታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተወገኑ ዝርከቡ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ልምዓት ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም፡፡
ድሕሪ እቲ ዑደት ብፁኣን ኣቦታት ምስ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ተዛቲዮም፡፡
ብፁን ኣቦታት ኣብቲ እዋን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተወገኑ ዝርከቡ ኩለመዳይ ስራሕቲ ልምዓት ዝነኣዱ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡
ብፍላይ ልምዓት ኮሪደር ነታ ከተማ ውቅብቲን ንፅህቲን ብምግባር ንናብራ ምችውቲ ከምኡ እውን መብፅሒት ዓለም ኮንፈረንስ ንኽትከውን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ኣልዒሎም፡፡
ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ኣድላዪ ምትሕብባር ከምዝገበረት ኣፅንኦት ምሃቦም ኣብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዳይሬክተር ምምሕዳር ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኦንላይን ሚዲያ ብሩክሰው ይልማ ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.