Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትዩ ውሳነታት ኣሕሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ ኣብ ዘካየዶ መበል 49 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትዩ ውሳነታት ኣሕሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝገበሮ ስሩዕ ኣኼባ፥  መጣየሺ ኣዋጅ ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሊየር ኢትዮጵያ ብዝምልከት ብምዝታይ እቲ ደንቢ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅእ ጀሚሩ ተግባራዊ ንክግበር ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማይ ኢትዮጵያ ነዝህቦም ኣገልግሎታት ዝኽፈል ክፍሊት ኣገልግሎት ንምውሳን ዝወፅአ ደንቢ ብዝምልከት ኣብ ዝገበሮ ዘተ ድማ፥ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ሰፊሕ ዘተ ብምክያድ እቲ ደንቢ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅእ ጀሚሩ ተግባራዊ ንክግበር ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ ኣሎ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብቲ ዝገበሮ ስሩዕ ኣኼባ፥ ቤት ፅሕፈት ፈንድ ምላሽ ስግኣት ሓደጋ ንምጥያሽን ዝእከብ መጠን ኣታዊ ፈንድ ንምውሳንን ዝወፅአ ደንቢ ብዝምልከት ዘቲዩ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ብኣዋጅ ቂፅሪ 1386/2017 ዝተጣየሸ ፈንድ ምላሽ ስግኣት ሓደጋ ንምምሕዳር ዝጣየሽ እንትኸውን፥ ዝእከብ መጠን ኣታዊ ንምውሳን ንክከኣል እቲ ደንቢ ተሰናዲኡ ከምዝቐረበ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ኣብቲ ጉዳይ እኹል ዘተ ድሕሪ ምግባር እቲ ደንቢ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅእ ጀሚሩ ተግባራዊ ንክግበር ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.