ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ብቨርቹዋል ኣብ ዘካየዶ መበል 45 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ፡፡
እቲ ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎም ውሳነታት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቦም ኣለዉ፡-
- ፈለማ እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዛተየ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ኣገልግሎት ኤክስቴንሽን ምሕደራን በዓል ብዙሕ ተዋሳእቲ ሕርሻ ኢዩ፡፡ ኣብ ሃገርና ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣገልግሎት ኤክስቴንሽን ሕርሻ ብመንግስቲ ጥራሕ እናተውሃበ ፀኒሑ ኢዩ፡፡ እናዓበየ ምስ ዝመፅአ ጠለብ አቲ ዓውዲ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት፣ ዘፈር ውልቀ፣ ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ናይ ሞያ ማሕበራትን ምስታፍ ዘኽእል ስርዓት ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ የድሊ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
- ብምቕፃልፃቲ ቤት ምኽሪ ዝተዛተየ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ስርዓተ ምህዳር ኣገልግሎት ክፍሊት ኢዩ፡፡ ኣብ ሃገርና ኣሰራርሓ ስርዓተ ምህዳር ክፍሊት ብዝምልከት ማዕቀፍ ሕጊ ብዘይ ምህላዉ ተመሳሳሊ ብዘይኮነ ኣሰራርሓ ብዝተፈላለዩ ኣካላት እናተተግበረ ፀኒሑ ኢዩ፡፡ ሕዚ ብዝበፃሕናዮ ብርኪ ዕቤት ትካላት ፌዴራልን ክልላትን፣ ዘፈር ውልቀን መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ኣብ ግምት ዘእተወ ማዕቀፍ ሕጊ ምህላው ኣድላዪ ኮይኑ ኣሎ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብሰፊሕ ምስ ተዛተየ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡