Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባ ስሩዕ ጉባኤኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል ሳልሳይ ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባ መበል ራብዓይ ስሩዕ ጉባኤኡ የሳልጥ ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ፥ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ባጀት ዓመት 2017ንን ትልሚ 2018 ዓ.ምን ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣንፈታት ጠመተ ዝጠመተ ዘተ ከምዝግበር ተገሊፁ።

ፀብፃብ ኣፈፃፅማ መደባት 2017 ዓ.ም ዋና ኦዲተር እቲ ምምሕዳር፣ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ኣብያተ ፍርዲ እቲ ምምሕዳር ብምዝታይ ምፅዳቕ ናይቲ ጉባኤ ኣጀንዳታት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ተግባር ስልጠና ኣፈፀምቲ ኣካላት ንምውሳን ዝወፅአ ኣዋጅ ቁፅሪ 84/2016ን ንምምሕያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅን ናይቲ ምምሕዳር ናይ 2018 ረቂቕ ኣዋጅ ባጀት ከምዝዝተየሉ ተገሊፁ።

ኣብ መዛዘሚ እቲ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ዝተፈላለዩ ሹመታት ከምዝፀድቕ እውን ተሓቢሩ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.