Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ስሩዕ ጉባኤኡ ዝተፈላዩ ሽመታት ብምፅዳቕ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ስሩዕ ጉባኤኡ ዝተፈላዩ ሽመታት ብምፅዳቕ ተዛዚሙ፡፡

ንዝሓለፉ ክል መዓልቲታት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ እንትካየድ ዝፀንሐ እቲ ቤት ምኽሪ፤ ሎሚ መዓልቲ ብርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣረጋ ከበደ ዝቐረቡ ዝተፈላለዩ ሽመታት ብምርማር ኣፅዲቑ።

ብመሰረት እዚ፦

‌‎1ይ, ኣህመዲን ሙሓመድ (ዶ/ር) ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መተሓባሪ ዘፈር ልምዓት ከተማ ክልል ኣምሓራ፣

‎2ይ, ድረስ ሳህሉ (ዶ/ር) ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መተሓባሪ ዘፈር ልምዓት ገፀር ክልል ኣምሓራ፣

‎3ይ, ሙሉነሽ ደሴ (ዶ/ር)ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መተሓባሪ ዘፈር ማሕበራ ክልል ኣምሓራ፣

‌‎4ይ, አማኑኤል ፈረደ (ዶ/ር)ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መተሓባሪ ዘፈር ልምዓት ምሕዳር ክልል ኣምሓራ፣

‌‎5ይ, መንገሻ ፈንታው (ዶ/ር) ሓላፊ ቢሮ እቶት ክልል ኣምሓራ፣

‎6ይ, ኣይተ ደረጀ ማንደፍሮ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ኣምሓራ፣

‌‎7ይ, ኣይተ ጥላሁን ወርቅነህ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኣምሓራ፣‎

‎8ይ, ሞላ መልካሙ (ዶ/ር) ሓላፊ ቢሮ ማይ ኢነርጂን ክልል ኣምሓራ፣

‌‎9ይ, ኢንጅነር ዳኝነት ፈንታ (ዶ/ር) ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ኣምሓራ፣

‎10ይ, ኣይተ ኣታላይ ጥላሁን ሓላፊ ቢሮ ገንዘብ ክልል ኣምሓራ፣

‎11, ጋሻው ሙጨ (ዶ/ር) ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሃፍቲ ዓሳ ክልል ኣምሓራ፣

‎12 እሸቱ የሱፍ (ዶ/ር) ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን ክልል ኣምሓራ ከምኡ እውን

‎13, ኣይተ ኣባይ መንግስቴ ሓላፊ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ብምዃን ሽመቶም በቲ ቤት ምኽሪ ፀዲቑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ካብዚ ብተወሳኺ ብፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ክልል ኣይተ ኣለምኣንተ ኣግደው ዝቐረቡ 174 ናይ ወረዳ ዳያኑ ሹመት ብምቕባል ከምዘፅደቐ እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.