ቤት ፅሕፈት ቀዳመይቲ እመቤት ብስም ሎሬት ፀጋዬ ገ/መድህን ዝተሃነፀ ቤት ትምህርቲ መምሃሪ ናውቲ ኣበርኪቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቤት ፅሕፈት ቀዳመይቲ እመቤት ብስም ሎሬት ፀጋዬ ገ/መድህን ብምምሕዳር ከተማ ኣምቦ ዝተሃነፀት ቤት ትምህርቲ መምሃሪ ናውቲ ኣበርኪቱ።
ትማሊ ኣብ ከተማ ኣምቦ መበል 20 ዓመት መርሃ ግብሪ ዝኽሪ ዕረፍቲ ሎሬት ፀጋዬ ገ/መድህን ተኻይዱ።
ብተወሳኺ እቲ ቤት ፅሕፈት ኮምፒዩተራት፣ ፕሪንተራት፣ መፅሓፍቲ፣ ሚኒ ሚድያ ናውቲ፣ ንፅሬት ዝሕግዙ ፍርያትን ካልኦት ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን ናውቲ ንቤት ትምህርቲ ሎሬት ፀጋዬ ገ/መድህን ኢፌ ቦሩ 2ይ ደረጃ ትምህርቲ ቤት ኣበርኪቱ።
ብቤት ፅሕፈት ቀዳመይቲ እመቤት ኣብ 2015 ዓ.ም ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መሸጣ መፃሕፍቲ ብዝረኸቦ ኣታዊ ዝተሃነፀ እቲ ቤት ትምህርቲ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተምሃሮ ይምህር ኣሎ።
ብሲሳይ ሃይለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!