Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ዝቕፅል ሰኑይ ክኽበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ መዓልቲ ደንደቕ ዕላማ ‘ሰንደቕ ዕላማና ንብስራት ዘበን ብራኸ ኢትዮጵያ፣ ብሄራዊ ሓድነትና፣ ሉኣላዊነትናን ህዳሰ ኢትዮጵያን’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሰኑይ 3 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ክኽበር ኢዩ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፤ ሰንደቕ ዕላማ ናይ ሓንቲ ሃገር መንግስቲን ህዝቢን ሉኣላዊነትን፣ ስልጣን ፖለቲካ፣ ናፅነት፣ ዕቤትን ማሕበረሰባዊ ምትእስሳርን መፍጠሪ መሳርሒ ኢዩ ኢሉ።

ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ ኣብ ሕድ ሕድሕድ ኢትዮጵያዊ ልቢ ዝተሓተመ ሃገራዊ ሓድነትን ናፅነትን መገለፂ ዓብዪ ኣርማ ብሄራዊ ኩርዓት ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ጀጋኑ ኣቦሓጎታትና ንወረርቲን ስዒሮም ንመላእ ፀለምቲ ህዝቢታት ምልክት ናፅነት ዝኾነ ሰንደቕ ዕላማ ናይ ህይወት መስዋእትነት ከፊሎም ንሓዱሽ ወለዶ ከምዘረከቡ ብምሕባር እዚ መሰረት ብምግባር ሰንደቕ ዕላማ ብብርኪ ሃገር ልዑል ቦታ ተዋሂቡዎ ዝኽበር ዓብዪ ሃገራዊ በዓል ከምዝኾነ ተመልኪቱ።

ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ብኣዋጅ ሰንደቕ ዕላማ ቁፅሪ 863/2006 (ከምዝተመሓየሸ) ዓንቀፅ 2 መሰረት በቢዓመቱ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝኣተወ ፈላማይ ሰሙን ሰኑይ ከምዝኽበር ተደንጊጉ ኢዩ።

ኣብዚ ዓመት እውን እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ብዝምጥን መልክዑ ንመበል 18 ግዘ ምስ መምርሒታት ሰንደቕ ዕላማ ተገናዚቡን ልዑል ብራኸ ዘበን ኢትዮጵያ ብብስራትን ምብራኽን ብዘረጋግፁ ልዝባት ተዓጂቡ ብመሪሕነት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ መላእ ሃገር ከምዝኽበር ኣፍሊጡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.