ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ይኽበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 18 ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ኣብ መላእ ሃገር ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ይኽበር ኣሎ።
እቲ በዓል “ሰንደቕ ዕላማና ንብስራት ዘበን ብራኸ ኢትዮጵያ፣ ብሄራዊ ሓድነትና፣ ሉኣላዊነትናን ህዳሰ ኢትዮጵያን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኸበረ ዝርከብ።
መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብመሪሕነት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዲሪኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝተፈላለዩ ስነ ስርዓታት ምኽባር ጀሚሩ፡፡
ሰዓት 4፡30 ድማ ኣብ ትካላት ፌደራል መንግስቲ፣ ኣብ ክልላትን ክልቲአን ምምሕዳር ከተማታትን፣ ኣብ ካምቦታት ሰራዊት ምክልኻል ከምኡ እውን ኣብ ኤምባሲታትን ሚሲዮናት ኢትዮጵያን ሰንደቕ ዕላማ ናይ ምስቃል ስነ ስርዓት ክውገን ኢዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ቅድሚ ሰንደቕ ዕላማ ቃለ መሓላ ናይ ምፍፃም መርሃ ግብሪ ከምኡ እውን ካልኦት ምድላዋት ክካየዱ ኢዮም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!