Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ረብሓ ዝሕሉ ጠንካራ ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ንምህናፅ ጠመተ ሂብና ክንሰርሕ ይግባእ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ረብሓ ሃገርና ዝሕሉ ጠንካራ ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ንምህናፅ ጠመተ ሂብና ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ምክልኻል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ።

ምረቓ ምርምርን ፖሊሲ ልምዓትን ምስረታ ማእኸልን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሎሚ ተኻይዱ።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ መድረኽ፥ ወታደራዊን ኢኮኖሚያዊን ዓቕሚ ሓንቲ ሃገር ብምህናፅ ናይ ምግባርን ምፍፃምን ክእለት ናብ ልዑል ብርኪ ንምስግጋር መፅናዕቲን ምርምርን ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ኢሎም።

ብሄራዊ ረብሓ ዝሕሉ ጠንካራ ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ንምህናፅ ጠመተ ሂብና ክንሰርሕ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታታት ንምርካብ
Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.