Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ረብሓ ዝትግብር ዜጋ ምፍጣር ንህልውና ሃገር ወሳኒ ከምዝኾነ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ረብሓ ዝርዳእን ዝትግብርን ዜጋ ምፍጣር ንምኽባር ህልውና ሃገርን ግዝኣታዊ ሓድነትን ወሳኒ ከምዝኾነ ምሁራን ኣገንዚቦም፡፡

ሉኣላዊነት፣ ግዝኣታዊ ሓድነት፣ ዝተረጋግአ ፖለቲካን ድሕንነታ ዝተሓለወ ሃገርን ምህናፅ÷ ካብ ምኽባር ብሔራዊ ረብሓ ዝርከቡ ከምዝኾኑ ኣብ ስቴት ዩኒቨርሲቲ ኦሮሚያ ተመራማሪ ማሕበራዊ ሳይንስ ሪያድ ዳውድ (ዶ/ር) ኣብሪሆም፡፡

ብኩሉ መዳይ ዝተትሓዙ ሃገራዊ ሸቶታት ንኽሰፍሑ ዜጋታት ካብ ኩሉ ንላዕሊ ሃገራዊ መንነቶም ከደንፍዑ ከምዝግባእ እውን ምዒዶም፡፡

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ መምህር ሕጊን ጉዳያት መምሕዳር ፖለቲካን ዮሃናን ዮካሞ ብግደኦም፤ ብሄራዊ ረብሓ ፈሊኻ ብምርዳእ ካብ ኩሎም ዜጋታት ትፅቢት ከምዝግበር ኣገንዚቦም፡፡

ዜጋታት ብሄራዊ ረብሐኦም ብዘገናዘበ መልክዑ ሃገራዊ ልኡኽቶኦም ንኽፍፅሙ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣብሪሆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.