Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ባንኪ ብዝተፈላለዩ መተግበሪታት ዝግበሩ መዘና ዲጂታል ዕድጊታት ብግዚያዊነት ኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ክሪፕቶ ከረንሲ ሓዊሱ ፍቓድ ኣብ ዘይብሎም ዝተፈላለዩ መተግበሪታት ዝግበሩ መዘና ዲጂታል ዕድጊታት ብግዚያዊነት ኣጊዱ፡፡

እቲ ባንኪ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ÷ ብዝተዘርግሑ ማዕቐፋት ቁፅፅር መሰረት ብምግባር ብዝተገበረ ክትትል ውልቀሰባት ካብቲ ባንኪ ፍቓድ ዘይብሎም ዝተፈላለዩ መተግበሪታት ዕድጊታት እናፈፀሙ ይርከቡ።

ብብርኪ ዓለም ጠለብ ዲጂታል ዕድጊት እናወሰኸ ኣብ ዝመፅአ ኣብዚ ሕዚ እዋን ጥንቃቐ ምግባር ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ውልቀሰባት ዕድጊት እብ ዝፍፅሙሉ እዋን ኣብ ትኽክለኛ ሓበሬታ ብምድራኽ ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ብፍላይ ኣብ ዲጂታል ዕድጊታት ተለዋዋጣይነት ዕዳጋ፣ ምስሕሓት ዋጋ ሸርፊ ወፃኢ፣ ገበን ሳይበር፣ ፀገማት ፅግዕተኝነት ዕድጊት ዘስዕቡ ዝውውር ዘይሕጋዊ ገንዘብን ፋይናንሳዊ ግብረ ራዕዲን ማዕቐፍ ክልከላ ዘይብሎም ከምዝኾኑ ኣብሪሁ፡፡

እቲ ባንኪ ዲጂታል ናይ ዕድጊት ቴክኖሎጂታት ድሕንነቶም ንኽሕሎ ዘኽእል ሓፈሻዊ ማዕቐፍ ቁፅፅር ብምዝርጋሕ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ምርግጋእ ፋይናንስን ተኣማኒነት ብሄራዊ ስርዓት ክፍሊትን ንምሕላው ምስ ዓለም ለኸ ተቖፃፀርቲ ፋይናንስን ናይ ውሽጢ ሃገር መዳርግቲ ኣካላት ቀፃልነት ዘለዎ ምይይፅ ከምዝግበር ገሊፁ፡፡

ማዕቀፍ ቁፅፅር ዕድጊት ዕላዊ ክሳብ ዝኸውን ፍቓድ ክሪፕቶ ከረንሲ ሓዊሱ ፍቓድ ዘይብሎም ዝተፈላለዩ መተግበሪታት ዝግበሩ መዘና ዲጂታል ዕድጊታት ዝተኸልከሉ ከምዝኾኑ እቲ ባንኪ ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.