Fana: At a Speed of Life!

ብልዑል ደረጃ እናዓበየ ዝርከብ ምትሕብባር ጉምሩኽ ኢትዮ-ጅቡቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምትሕብባር ጉምሩኽ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ብልዑል ደረጃ እናዓበየን እናሰፍሐን መፂኡ።

መበል 12 ዘተ ቀዋሚ ኮሚቴ ቴክኒክ ኮሚሽናት ጉምሩኽ ኢትዮ-ጅቡቲ ይካየድ ኣሎ፡፡

እቲ ዘተ ኣብ ንግዲኢ፣ ንቨስትመንትን ሓፈሻዊ ስርዓት ምምሕዳር ጉምሩኽን ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዘድሀበ ኢዩ፡፡

ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩኽ ኢትዮጵያ ደበሌ ቃበታ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ኢትዮጵያ ናብ ወፃኢ ካብ ትልእኾምን ናብ ሃገር ተእትዎምን ፍርያታት መብዛሕትኡ ብወደብ ጅቡቲ ኣቢሉ ዝሓልፍ ኢዩ።

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ንነዊሕ ዓመታት ዝዘለቐ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ርክብ ከምዘሎ ብምሕባር፤ እቲ ርክብ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

ናይ ጅቡቲ መዘነኦም ጉሌድ ኣህመድ ዩሱፍ ብግደኦም ኣብ ንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ጉምሩኽ ብልዑል ብርኪ እናዓበየን እናሰፍሐን ይርከብ ኢሎም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝፀንሑ ስርዓታት ውፅኢት ስምምዓትን ምቅብባል ሓበሬታን ዝተገምገሙ እንትኾኑ ቀፀልቲ ኣንፈታት ትኹረት ክቕመጡ ኢዮም ዝብል ትኹረት ኣሎ።

ብእየሩሳሌም ኣበበ

@Addisinsider_ETH
@Addisinsider_ETH

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.