ብልዕሊ 2 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ወፃኢ 21 ሓደሽቲ ከተማታት ገፀር ተጠቀምቲ ኤሌክትሪክ ምግባር…
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ልዕሊ 2 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ወፃኢ 21 ሓደሽቲ ከተማታት ገፀርን መንደራትን ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝገብር ፕሮጀክት እናተዛዘመ ይርከብ ኢሉ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ፡፡
ፈፃሚ ስራሕ ኮሙኒኬሽን እቲ ኣገልግሎት ኣንዋር ኣብራር ከምዝበሉዎ÷ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ከባቢታት ዓፍዴራን ዳሎልን ዝርከቡ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ጨውን ፖታሽን ከምኡ እውን 21 ሓደሽቲ ናይ ገፀር ከተማታትን መንደራትን ተጠቀምቲ ኤሌክትሪክ ዝገብር ኢዩ፡፡
ንህንፀት እቲ ፕሮጀክት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ 16 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ዝገበረ እንትኸውን÷ ዝተረፈ 84 ነጥቢ 62 ሚሊየን ብር ድማ ብኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ከምዝሽፈን ኣመልኪቶም፡፡
እቲ ፕሮጀክት 375 ኪሎ ሜትር ማእኸላይ መስመር ኤሌክትሪክ፣ 93 ኪሎ ሜትሮ ዝርገሐ ዝተሓተ መስመርን ተኸላ 85 ትራንስፎርመራትን ዘካተተ ኢዩ ኢሎም፡፡
ክሳብ ሕዚ ብዝተወገነ ስራሕ 278 ነጥቢ 34 ኪሎ ሜትሮ ማእኸላይ መስመርን 33 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትሮ ዝርገሐ ትሑት መስመርን ከምኡ እውን ተኸላ 29 ትራንስፎርመራት ከምዝተዛዘሙ ኣይተ ኣንዋር ንፋና ዲጂታል ገሊፆም፡፡
በዚ ድማ 8 መንደራትን ሓደ ፋብሪካን ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምግባር ዝተኽኣለ እንትኸውን÷ እቲ ፕሮጀክት እንትዛዘም 14 ሺሕ መራሕቲ ስድራ ተጠቀምቲ ኤሌክትሪክ ከምዝገበር ሓሮቢም፡፡
ብመላኩ ገድፍ